• ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ከይሰኣል ምሕጽንታ ቀሪቡሉ እንተነበረ'ኳ ንክብሪ ኣአንጋዲት ሃገር'የ ፈጺመዮ ይብል
    Nov 19 2026
    ንሎሚ ዝተዳለወ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ኣርእስታቱ)፡ * ልዑል ትጽቢት ዝተገብረሉ ስሉሳዊ ርክብ ሺ ጂንፒንግ፡ ዶናልድ ትራምፕን ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ’ቲ ኣብ ሸንዘን ዝካየድ ዋዕላ ኤፔክ ይካየድ፡ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚ ኣብ መኽፈቲ ዋዕላ ኤፔክ ሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝነበሮ ናይ ሓባር ስእሊ ተረኪቡ። * መዝገበ ቃላት ካምብሪጅ፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዓመታዊ ቃል 2026 ክከውን ዝመረጾ ‘Human’ ዝብል ቃል ምዃኑ ኣፍሊጡ

    #sbsaudiopodcast
    Show More Show Less
    8 mins
  • ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት 'ተፋጢጦም' ከም ዘለዉ ንዘመልክት ሓበሬታ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ነጺጉዎ (ጸብጻባት ልኡኽና)
    Nov 19 2026
    ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (19 ሕዳር 2026) * ኣብ ከባቢ ባድመ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑዱ 4 ሰባት ከም ዝተጎድኡ ተገሊፁ፡ * ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ምኽባር ሰላም : ምስፋሕ ዴሞክራስን ዳግመ ህንፀትን ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ: * ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ሰዓታት እቶ-እቶን ጽኑዕ ቀይዲ ምንቅስቓስን ተነቢሩ፡ * ኤርትራ ሕማም ትራኮማ ካብ ሱሩ ናይ ምጥፋእ ዓወት ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪቃ መበል 11፡ ካብ ዓለም ድማ መበል 34 ሃገር ኮይና፡

    #sbsaudiopodcast
    Show More Show Less
    11 mins
  • ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኤርትራ ንሕማም ዓይኒ ትራኮማ ካብ ሱሩ ምጥፋኣ ንመንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ሞጒሱ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ሕዳር 2026)
    Nov 17 2026
    *** ኣብ ቪክቶርያ ሎሚ ኣቐዲካ ድምጺ ምሃብ ጀሚሩ፡ *** ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኤርትራ ንሕማም ዓይኒ ትራኮማ ካብ ሱሩ ምጥፋኣ ንመንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ሞጒሱ። *** ኣዛዚ ሰራዊት ዩጋንዳ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ድሕሪ ወላዲኡ ስልጣን ኣቡኡ ክርከቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    #sbsaudiopodcast
    Show More Show Less
    7 mins
  • What are feral and invasive animals in Australia? - ኣብ ኣውስትራልያ ኣራዊትን ወረርትን እንስሳታትን እንታይ እዮም፧
    Nov 17 2026
    Feral and invasive animal species are causing significant damage to Australia’s environment and threaten the existence of many native wildlife species. In this episode of Australia Explained learn about feral and invasive animal species in Australia and what is being done to control them. - ኣራዊታውን ወረርቲን ዝኾኑ ዓሌታት እንስሳታት ኣብ ልዕሊ ከባቢ ኣውስትራልያ ዓቢይ ጉድኣት የውርዱን ህላወ ብዙሓት መበቆላዊ ዓሌታት እንስሳ ዘገዳም ኣብ ሓደጋ የውድቑን’ለዉ። ኣብ’ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ (Australia Explained) ብዛዕባ ኣራዊታዊ ወይ ናይ ዱርን ወረርትን እንስሳታት ኣብ ኣውስትራልያን ንምቁጽጻሮም እንታይ ይግበር ኣሎን ክንመሃር ኢና።
    Show More Show Less
    11 mins
  • "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መጥቃዕቲ ንዝፍጽም ዝኾነ ይኹን ዉድብ ኢና ንቃወም ዘለና።" ዶ/ር ደስታ ገብረሃዋርያ
    Nov 17 2026
    ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ኩነታት ንህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣውሪድዎ ይርከብ። ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ትግራይ'ውን ከምቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ተጋሩ ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ። ነቲ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ደው ክብልን ንማሕበረሰብ ዓለም ድምጾም ንምስማዕን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምቅዋምን ኣብዚ ሰሙን ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ መዲቦም ኣለዉ። እዚ ኩነታት ንተጋሩ ኣውስትራሊያውያን ብኸምይ ይጸልዎም ከምዘሎን እቲ ዘሎ ስክፍታን ሻቕሎትን ኣመልኪትና ምስ ኣብ ማሕበረሰብ ትግራይ ሓላፊ ኣድቮኬሲ ግሩፕ ዝኾነ ንዶ/ር ደስታ ገብረሃዋርያ ሓቲትናዮ ኣለና፡ ኣብዚ ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ።

    #sbsaudiopodcast
    Show More Show Less
    15 mins
  • ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ንዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጓ መደብ ከምዘለወን ኣፍሊጠን። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (17 ሕዳር 2026)
    Nov 16 2026
    *** ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ሕቶ ዑቕባኦም ንዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጓ መደብ ከምዘለወን ኣፍሊጠን። ... *** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ኣብ ሓንቲ ሚኒባስ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም... *** ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ን ምስ ኣቦ መንበር ናይቲ ብ"ምትሕብባር ንህልውና" ዝፍለጥ ጥምረት ዘመነ ካሰ ዘተ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

    #sbsaudiopodcast
    Show More Show Less
    6 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሕዳር 2026)
    Nov 16 2026
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሕዳር 2026)

    #sbsaudiopodcast
    Show More Show Less
    48 mins
  • ዕለታዊ ዜና ትግርኛ SBS (16 ሕዳር 2026)
    Nov 16 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ሊበራል ቪክቶርያ እንተ ተመሪጹ፡ ገበነኛታት መንእሰያት ናይ ሓጺር ስልጠና ብምሃብ ወይ ኣብ ቡትካምፕ ብምእታው ናብ ስራሕ ከዋፍሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ ባሕሬን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ተወቒዓ። ኣውስትራልያ ኣብ ክልቲኡ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ራግቢ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣንጻር ኒውዚላንድ ዋንጫኣ ብዓወት ተኸላኺላ።

    #sbsaudiopodcast
    Show More Show Less
    11 mins